Tigrinya

መሰላትኩም ፍለጡ፥
ድምጽታት ንናይ መወዳእታ ወፈያ (offer)

British Columbia and Ontario
Select your language below

“ድምጺ ንናይ መወዳእታ ወፈያ” እንታይ ኢዩ ስለምንታይከ ብዛዕብኡ ክፈልጥ ኣለኒ?

  • ኣብ ኦንታርዮ/ብሪቲሽ ኮሎምብያ፣ ቅድሚ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ምጅማሩ፣ ሓደ ኣስራሒ ኣብ’ቲ ናይ’ቲ ኣስራሒ “ንድምጺ ንናይ መወዳእታ ወፈያ” ብኣባላት ማሕበር ሰራሕተኛታት ድምጺ ኪውሃብ ናብ መንግስቲ ኣውራጃ ኪሓትት ይኽእል።
  • ሓደ ኣስራሒ ንኣጠቓቕማ “ድምጺ ንናይ መወዳእታ ወፈያ” ሜላ ኪሓትት ከሎ፣ ሰራሕተኛታት ዘየዕግብ/ብቑዕ ንዘይኰነ ውዕል ንኪቕበሉ ጸቕጢ ንምግባር ኢዩ። እዚ ከኣ ስንባደ ንምፍጣርን ሰራሕተኛታት ንዓመታት ኣብ ሕማቕ ውዕል ናይ ምጽናሕ ሓደጋ ንኪወድቁን ዝዓለመ ኢዩ።
  • ከም ናይ ማሕበር ድርድር ኮሚተ ስራሕና ንሰራሕተኛታት እቲ ዝበለጸ ዚከኣል ወፈያ ምስ ኣስራሒ ንምድርዳር ኢዩ።
  • ሓደ ኣስራሒ “ድምጺ ንናይ መወዳእታ ወፈያ” ሜላ ኪጥቀም ከሎ፣ ኰነ ኢሉ ንሽማግለኹም/ኮሚቴኹም ይሰግርን፣ ፍርሕን ምድንጋርን ንምፍጣር ንሰራሕተኛታት ኪመቓቐል ይፍትንን ኣሎ።

ኣስራሒና ንሰራሕተኛታት “ንድምጺ ንናይ መወዳእታ ወፈያ” ዚሰድድ እንተኰይኑ እንታይ ይኸውን?

  • ሓደ ኣስራሒ ንሰራሕተኛታት ብዛዕባ ዚተኣመመ ወፈያ ሓበሬታ ዝሓዘ ምልክታ ኪሰድድ ኢዩ። ንሓድሽ ውዕል ከም ርትዓውን ምኽኑይን ኩንትራት ብቃላት ኪገልጾ ኢዩ።
  • ሚኒስትሪ ዕዮ ናይ’ቲ ኣውራጃ ንመላእ ጉጅለ ሰራሕተኛታት ነቲ ኣስራሒ ዝሃቦ ወፈያ ድምጺ ንኪህቡ ዚሓትት ናብ ናይ ኦንላይን/ኢንተርነት ድምጽን (vote) መውሃቢ ድምጽን (ballotot) ብኢመይል ገይሩ ከፍልጦምን ኢዩ።
  • ናይ መወዳእታ ወፈያ ሓላፊ ፈጺምኩም ክትቅበሉ የብልኩምን – ኣይፋልን ኢልኩም ድምጺ ክትህቡ ትኽእሉ ኢኹም!
  • ዝበዝሐ ድምጺ ኣይፋልን ማለት ናይ ማሕበር ድርድር ኮሚተኹም ዝሓሸ ኩንትራት ንምዕዋት ናብ ድርድር ክትምለስ ትኽእል ማለት ኢዩ።
  • ሽዑ፣ ድሉዋት እንተዀና ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ ክንገብር ንኽእል ኢና!

ዝዀነ ካብ ኣስራሒ ዚመጽእ ድምጺ ንናይ መወዳእታ ወፈያ ብናይ ድርድር ሽማግለኹምን ማሕበርኩምን ኣይጸድቕን ኢዩ።